ዐሰርቱ ትእዛዛት ሻዕብያ ካብ መግዛእቲ ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ። ኣብ ቅድመይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሀልዉኻ። ፓርቲ ዘበለን ንርእስኻ ኣይትግበር። ቀናእ እየ እሞ፡ ብዝኾነ ምኽንያት ኣይትጠርነፍ፡ ኣይትተኣከብ። ስም ስውኣት ብኸንቱ ኣይተልዕል። ሃገራዊ ብዓላት ንኸተብዕል ሐልወን። ሰለስተን-ስሳን-ሰለስተን መዓልቲ ዕየ፣ ብዘይ ደሞዝ፣ ንሃገራዊ ብዓላት ግና ብሓጎስን ብጭፈራን ዘክረን። ኣብታ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ንሹማምንቲ ኣኽብር። ኣይትቕተል። እንተድልዩ ትሕቲ ብርኪ ተኩስ። ኣይትዘሙ። በዓል ስልጣን ኣይኮንካን። ኣይትስረቕ። ኩሉ ሃብቲን እታ መርየትን ንመንግስቲ እተቐደሰ'ዩ። ብሓሶት ኣይትመስክር። ናይ መርመራ ግዜ ከይናውሓካ። ዘይናትካ ዕረፍትን ሰላምን ኣይትመነ። ትምኒት ናይ ስግረዶብ ሓሳብ ትዘርእ እያ።











